top of page

ንሕጊ ፍራህ፡ ሰብ ኣይትፍራህ !


ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፣
ንነዊሕ እዋን ክንጽበዮ ዝጸናሕና፣ ናይ ለውጥን ናይ መጻኢ ራእይን ሒዝና፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቅድሜኹም ክንቀርብ ኢና!
ንሕና መን ኢና ?
"ሓምላይ ሰልፊ ኤርትራ"
እዚ ሰልፊ እዚ፣ ንልዕልና ሕጊ፣ ንማሕበራዊ ፍትሒ፣ ንመሰረታዊ ደሞክራሲን ንከባቢኣዊ ውሕስነትን መሪሕ ዕላማኡ ዝገበረ ሓዱሽ ሓይሊ እዩ። ፍርሓት የብቅዕ፣ ባርነት የብቅዕ! ሰብ ናጻ ኮይኑ፣ ሃገር ብሕጊ ጥራይ እትመሓደረሉ እዋን ክበጽሕ፡ምሉእ መደብ ዕዮና፣ መሪሕነትናን ናይ ምስረታ ኣዋጅናን ሒዝና ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብወግዒ ክንመጽእ ኢና።
* ቃልስና ናይ ሰላም እዩ!
* ቃልስና ናይ ፍትሒ እዩ!
* ቃልስና ናይ ሓምላይ መጻኢ እዩ!


"ሓምላይ ሰልፊ" ማለት እንታይ ማለት እዩ?


ሓምላይ ሰልፊ (Green Party) ክበሃል ከሎ፣ ተፈጥሮን ከባቢን ጥራይ ምሕላው ማለት ኣይኮነን። ንሱ ሓደ ክፋሉ ኮይኑ፣ እቲ ዓቢይ ትርጉሙ ግን "ሓምላይን ጥዑይን ህይወት ንደቂ ሰባት" ምፍጣር እዩ። ብሓጺሩ ኣብዞም 4 ዓንድታት ዝተመርኮሰ እዩ፦


1. ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን (Social Justice):


ከምቲ ተፈጥሮ ንኹሉ ሰብ ማዕረ ጸሓይን ኣየርን እትህብ፣ ሓምላይ ሰልፊ እውን ኩሉ ኤርትራዊ (ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት ወይ ዞባ) ማዕረ ዕድል፣ ማዕረ ፍትሒ፣ ጥዕናን ትምህርትን ክረክብ ይቃለስ።


2. መሰረታዊ ደሞክራሲ (Grassroots Democracy):


ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ። ውሳነታት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕታይ ዝወርድ ዘይኮነስ፣ ካብቲ ተራ ህዝቢ (ካብ ታሕቲ) ናብ ላዕሊ ዝድይብሉ፣ ህዝቢ ባዕሉ ዕድሉ ዝውስነሉ ስርዓት ምፍጣር ማለት እዩ።


3. ሰላምን ዘይ-ጎነጽን (Non-violence & Peace):


ኩሉ ጸገማትናን ኣፈላላያትናን ብዘተ፣ ብሕግን ብሰላማዊ መገድን ጥራይ ምፍታሕ። ምስ ጎረባብትናን ምስ ዓለምን ዘለና ርክብ እውን ኣብ ናይ ሓባር ክብርን ሰላምን ዝተመርኮሰ ምግባር።


4. ኣከባቢኣዊ ውሕስነትን ቀጻልነትን (Ecological Sustainability):


ንሃገርና ኤርትራ ዳግማይ ምልምላም፣ ኣእዋም ምትካል፣ ሕርሻና ዘመናዊ ምግባርን ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ ጸዓት (ጸሓይን ንፋስን) ምጥቃም። እዚ ማለት ሎሚ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንመጻኢ ወለዶታት እትበቅዕ ሃገር ምስራሕ ማለት እዩ።
 

ባህሊ ኤርትራውያን ሓምላይ እዩ። ኣብ ባህልና "ሓምላይ" ማለት ልምዓት፣ ጥሪት፣ በረኸትን ሰላምን ማለት እዩ። ስለዚ "ሓምላይ ሰልፊ ኤርትራ" ማለት፣ ንባህላዊ ክብርታትና ምስ ዘመናዊ ናይ ፍትሕን ደሞክራሲን ስነ-ሓሳብ ኣወሃሂዱ፣ ንኤርትራ ሓዳስን እትልምልምን ሃገር የማዕብል ማለት እዩ።

ሕጊ ፍራህ ፡ ሰብ ኣይትፍራህ !!!

ሓምላይ ሰልፊ ኤርትራ !!!

14 ሓምለ  2026

Go Green Eritrea !!!

ኤርትራ ሓምላይን ልምዕትን ትኹን !!!

Our Commitment to Nature

መብጸዓና ንምዕቃብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ

Eritrea Green Party is dedicated to promoting environmental awareness and implementing sustainability initiatives in Eritrea. We engage communities through outreach and educational programs, advocating for eco-friendly practices that benefit both people and the planet.

ሓምላይ ሰልፊ ኤርትራ ተወፍዩ ኣብ ከባብያውን ኣፍልጦ ምዕባይን ውሕስነት ዘለዎ ዘላቂ ተበጉሶታትን ምውሳድን ይሰርሕ።

ኩሎም ማሕበረሰባት ኤርትራ ብትምህርታዊ ስልጠና ብምስታፍ  ህዝብን ሃገርን ብተወሳኺ ነዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ዘርብሕ ልምዓታዊ ስራሕ ምስራሕ ኢዩ።

Our mission is to foster a greener future for Eritrea by empowering citizens with knowledge and resources to implement sustainable practices. Through our programs, we aim to create a lasting impact on environmental conservation and community well-being.

"ራኢና ንኤርትራ ሓምላይ ንምቕያር  እኹል ፍልጠትን ንብረትን ስልጠናን ብምሃብ፣ ዝሓሸ ሓምላይ  መጻኢ ንምፍጣር እዩ። ፕሮግራማትና ድማ ኣብ ምክልኻል ከባቢያዊ ተፈጥሮን ምዕባለ ማሕበረሰብን ነባሪ ጽልዋ ንምፍጣር ምስራሕ ኢዩ።"

Our Initiatives              ተበግሶታትና 

Driving Change Together         ምውሓስ ለውጢ ብሓባር 

Education ትምህርቲ

Outreach ርኸቡና

Advocacy ጥብቕና

Conservation ምዕቃብ

bottom of page